Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራት በዓል ኣሸንዳ ምኽንያት ብምግባር ክብርታትን ረብሓታትን ደቂ ኣንስትዮ ንምሕያል ዝዓለመ ፓነል ምይይጥ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ባህላዊን ሃይማኖታዊን ክብሪታቱ ብዝሓለወ መገዲ ኣዋልድ ብናፅነት ዘኽብረኦ በዓል ኣሸንዳን ማርያን  ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ብምስንዳእ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፥ ኣብ ከተማ መቐለ በዓል ኣሸንዳ ምኽንያት ብምግባር ክብርታትን ረብሓታትን ደቂ ኣንስትዮ ንምሕያል ዝዓለመ ፓነል ምይይጥ ይሳለጥ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ክብርታት ኣሸንዳ ንኽብሪ ደቂ ኣንስትዮን ብሩህ መፃኢ ትግራይን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ሆቴል ኣኽሱም ይካየድ ኣሎ።

እቲ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ዝኽበር በዓል፥ ኣብ ምንቕቓሕ ቱሪዝም ልዑል ግደ ከምዘለዎ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምግላፁ ይዝከር።

በዓል ዓይኒ ዋሪ ድማ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብዝተፈላለዩ መደባት ካብ 24 ነሓሰ ጀሚሩ ክኽበር ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.