Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ብቴሌ ብር ሱፐር ኣፕ ቪዛ ካርድ ምጥቃም ዘኽእል ኣገልግሎት ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ብቴሌ ብር ሱፐር ኣፕ ኣቢልካ ቪዛ ካርድ ንምጥቃም ዘኽእል ኣገልግሎት ብዕሊ ኣጀሚሩ።

እቲ ኣገልግሎት÷ ኢትዮ ቴሌኮም፣ ቪዛ ካርድን ባንኪ ኣቢሲኒያን ሎሚ መዓልቲ ብሓባር ኣጀሚሮምዎ፡፡

ቪዛ ዳይሬክትን ቴሌብር ሬሚት ኣፕን ቴሌብር ሱፐር ኣፕ ብምውራድ እቲ ኣገልግሎት ምርካብ ከምዝከኣል ተገሊፁ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ 190 ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት ቪዛ ዳይሬክት ተጠቒሞም ብሊሉ ብር ምልኣኽን ምቕባልን ዝኽእሉሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ÷ እቲ ኣገልግሎት ዜጋታት ኣብ ዝኾ ይኹን ሃገር ኮይኖም ናይ ኢድ ስልኮም ብምጥቃም ገንዘብ ዝልእኹሉን ዝቕበሉሉን ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡

እዚ ድማ ናብ ሃገር ዝለኣኽ መጠን ገንዘብ (ሬሚታንስ) ከምዘዕበዮ ገሊፀን፡፡

ብቅድስት ኣባተ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.