Fana: At a Speed of Life!

ሰበኽ ሳግም ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር ንዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ ፕሮግራም ወግዓዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰበኽ ሳግም ምብራቕ ኣፍሪካ ዘለዎ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር ንዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ ፕሮግራም ወግዓዊ ኮይኑ።

ኣብቲ ስምምዕነት፥ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ግብርና ፍቅሩ ረጋሳ (ዶ/ር)ን ተወካሊ ዓለም ለኸ ትካል ምግብን ሕርሻን(ፋኦ) ኣብ ኢትዮጵያ ፋራዪ ዚሙድዚ ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ኣርባዕተ ዶብ ሰገር ከባቢታት ሰበኽ ሳግም ምብራቕ ኣፍሪካ ዝትግበር እንትኸውን፥ ሸውዓ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ክሽፍን ኢዩ ተባሂሉ።

ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ብዝተረኸበ ደገፍ 47 ሚሊየን ዩሮ ዝትግበር እንትኸውን፥ ካብዚ እቲ 6 ነጥቢ 25 ሚሊየን ዩሮ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ፃዕሪታት ንምድጋፍ ዝውዕል ከምዝኾነ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.