Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ጎፋ ንዝተጎድኡ ወገናት ልዕሊ 6 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ኬንቾ ቀበሌ ሻቻ ጎዝዲ ብሓደጋ ጋህሲ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ልዕሊ 6 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ኣቐሑት ህንፀት ገይሩ።

ሓላፊት ክፍሊ ፋውንዴሽን እቲ መገዲ ኣየር ሰናይት ንጉሴ÷ እቲ ሓገዝ ንዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ጎፋ ዳግማዊ ኣየለ (ኢ/ር) ኣረኪበን፡፡

እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ቀዳማይ ዙር 6 ሺሕ በዓል 32 ኬጅ ቆርቆሮን 400 ኪሎ ግራም ሚስማር ቆርቆሮን ብድምር ልዕሊ 6 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ከምዝገበረ ወይዘሮ ሰናይት ተዛሪበን።

ዳግማዊ ኣየለ (ኢ/ር)፥ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ሓገዝ ምስጋና ምቕራቦም ሓበሬታ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክልል የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.