Fana: At a Speed of Life!

ዩክሬን ንስትራቴጂካዊ ድልድል ሩሲያ አዕንያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩክሬን ናብ ሩሲያ ግዝኣት ኩርስክ ትገብሮ ገስጋስ ብምሕያል ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካልኣይ ስትራቴጂካዊ ድልድል ከምዘዕነወት ኣፍሊጣ፡፡

ወታደራት ዩክሬን ኣብ ዝቫኖ ሩባ ሴይም ኣብ ዝርከብ ድልድል መጥቃዕቲ አንትፍፅሙ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዕላዊ ገይሮም፡፡

ኣብ ኩርስክ ዝተገበረ ወታደራዊ ወረር መጥቃዕቲ ሩሲያ ንምዕጋት ፍሉይ ከባቢ ምፍጣር ከምዘካትት ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘሌንስኪ ዕላማ እቲ ገስጋስ ኣመልኪቶም ተዛሪቦም፡፡

ክልቲአን ሃገራት ኲናት ክብ ዝጅምራ ዩክሬን ትማሊ ዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ድሕሪ ክልተ ሰሙን እቲ ዝለዓለ እንትኸውን÷ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ኣብ ጥቓ ከተማ ግሉሽኮቮ ሩባ ሴይም ዝርከብ ድልድል ኣፍሪሳ ኢያ።

ሩሲያ ነዚ ድልድል ወታደራት ንምጉዕዓዝ ትጥቀመሉ ከምዝነበረት ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.