Fana: At a Speed of Life!

ውድድር ፍፃመ ምዕራፍ 17 ፋና ላምሮት ቀዳም ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ምስ ዝነኣዱ ተነሓናሕቲ ሓቢሩኩም ዝፀንሐ ፋና ላምሮት ምዕራፍ 17 ውድድር ፍፃመኡ ቀዳም ክካየድ ኢዩ።

ናብቲ ፍፃመ ዝበፅሑ ኣርባዕተ ተወዳደርቲ (ኣብርሃም ማርልኝ፣ ሱራፌል ደረጀ፣ ናሆም ነጋሽን ጴጥሮስ ማስረሻን)ኣብቲ ዕለት ብሰለስተ ዙር ዝመረፅዎም ሙዚቃታት መስ ባንዶ ኮኮብ ከቕርቡ ኢዮም።

ብድሙቕ ስነ ሰርዓት ኣብ ዝካየድ እቲ ውድድር ፍፃመ ሓደ ድምፃዊ ጋሻ ኮይኑ ክርከብ ኢዩ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ነቲ ውድድር ናይ 1 ሚሊየን ብር ሽልማት ዘዳለወ እንትኸውን፥ ቀዳማይ ዝወፅአ 400 ሺሕ ብር፣ ካልኣይ ደረጃ 300 ሺሕ ብር፣ ሳልሳይ ዝወፅአ ድማ 200 ሺሕ ብር ከምኡወን መበል ራብዓይ ደረጃ ዝሓዘ ተወዳዳሪ 100 ሺሕ ብር ሽልማት ክወሃቦ ኢዩ።

ኣርባዕቲኦም ተወዳደርቲ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ኣብ ዝግበር መበል ሓምሻይ  ናይ ተዓወትትቲ ተዓወትትቲ ውድድው ብቐጥታ ክሓልፉ ኢዮም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት እቲ ቀዳም ዝካየድ ውድድር ፍፃመ ብፋና ቴሌቭዥን፣ ፋና ኤፍ ኤም 98.1ን ክልል ኤፍኤማት፣ ፋና ፌስቡክን ቴሌግራምን ሓዊሱ http://xn--www-86o.fanabc.com/ ካብ 5፡30 ጀሚሩ ብቐጥታ ፈነወ ብምክትታል ብ8222 ሓፂር መልእኽቲ ፅሑፍ ናይ ተወዳደርቲ ኮድ ብምልኣኽ እናተሃደስኩም ንክድግፉ ኣንጊዱ።

ብለምለም ዮሃንስ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.