Fana: At a Speed of Life!

ንሃንደበታዊ ሓደጋታት ምላሽ ንመሃብ ናይ ቅልውላው እዋን ኮሙኒኬሽን ማኑዋል ይሰናዳእ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ንሃንደበታዊ ሓደጋታት ምላሽ ንመሃብ ናይ ቅልውላው እዋን ኮሙኒኬሽን ማኑዋል እናተሰናደአ ምዃኑ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ፥ ቅድሚ ሕዚ ሃንደበታዊ ሓደጋ እንተጋጥም መን እንታይ ብኸመይ መልክዑ ሐባሬታ ክህብ ከምዘለዎ ዘመላኽት ግልፁ ኣሰራርሓ ከምዘይነበረ ኣብሪሀን።

ብምዃኑ ድማ ኣብዚ ሕኢ እዋን ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ቅልውላው እዋን ማኑዋል ኮሙኒኬሽን እናተሰናደአ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ከም ሃገር ሓደጋ እንተጋጥም ካብቲ ፀገም ብቕልጡፍ ንምውፃእ ፈለማ ትካላዊ ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ፀሪሐን።

“ብኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናተሰናደአ ዝርከብ ናይ ቅልውላው እዋን ማኑዋል ኮሙኒኬሽን÷ ሓደጋታት እንተጋጥሙ ካብ ምብያን ጀሚሩ ካብ ፌደራል ክሳብ ታሐቲ ኣብ ዘለዉ ውዳበታት ዝህሉ ሓላፍነት ብግልፂ ዘቐምጥ ኢዩ” ኢለን፡፡

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ዓውዲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ዝምረሐሉ ፖሊሲ እናሰናደአ ከምዝኾነ እውን ብምፅራሕ፥ ማኑዋል ኮሙኒኬሽን እዋን ቅልውላው ሓደ ዓውዲ ከምዝኾነ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.