Fana: At a Speed of Life!

ሪፎርም ዓውዲ ሕርሻ ውሕና ምግቢ ዘረጋግፅ ለውጢ ከምዘምፀአ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ብዝተገበረ ሪፎርም ውሕስና ምግቢ ዘረጋግፁ ጭቡጣት ስራሕቲ ጭቡጥ ለውጢ ከምዘምፅኡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ኣይተ ተመስገን “ዓሚቕ ዓቕሚ ዓውዲ ሕርሻ ንጠቐም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ መዓልቲ ዝጀመረ ሃገር ለኸ ፎረም ኢንቨስትመንት ሕርሻ ከፊቶም፡፡

ኣብቲ እዋን ድማ ኢትዮጵያ ንስራሕቲ ሕርሻ ዝስማዕማዕ ኣየርን ከባቢን ከምዘለዋ ብምግላፅ÷ ዓውዲ ሕርሻ ብፍሉይ ትኹረትን ዘበናዊ ኣሰራርሓን ደጊፍካ ውፅኢት ንምምፃእ መንግስቲን ሓረስቶትን ብቖራፅነት እናሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ዓውዲ ቅልጡፋትን ቀለልቲን ኣሰራርሓታት ብዝዘመነ መገዲ ንምውጋን ዝተጀመሩ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዘለዉ ዝሓበሩ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ኢንቨስተራት ወፃኢ እውን ምስ ኢትዮጵያ ንኽሰረሑ ፀዊዖም፡፡

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.