Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ዜጋታት ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተወዳደርቲ ንኽኾኑ ዝሃቦ ትኹረት ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ዜጋታት ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተወዳደርቲ ንኽኾኑ ዝሃቦ ትኹረት ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ልኡኽ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ናብ ወፃኢ ሃገር ንስራሕ ዝዋፈሩ ዜጋታት ኣድላዪ ክእለት ንኸደንፍዑ እናገበረ ኣብ ዝርከብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ምብራቕ ዑደት ገይሩ፡፡

ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ እዋን ዑደት÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዜጋታት ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተወዳደርቲ ንኽኾኑ ዝሃቦ ትኹረት ንኢዶም፡፡

ስዑድ ዓረብ ኢትዮጵያውያን ብስፍሓት ንስራሕ ዝዋፈሩላ ሃገር ከምዝኾነት ብምሕባር ብቑዓት ሰራሕተኛታት ንምፍራይ ዝወሃብ ስልጠና ፅሬቱ ዝሓለወ ንኽኸውን ንምግባር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝሰርሑ ገሊፆም፡፡

ኣብ ኩለን ክልላት ዝርከቡ ዝተመረፁ ትካላት ቴክኒክን ሙያን መንግስቲ ናብ ወፃኢ ሃገር ንስራሕ ዝዋፈሩ ዜጋታት ኣድላዪ ክእለት ንኽላበሱ ዘኽእሉ ስልጠናታት ኣብ ምሃብ ከምዝርከቡ ካብ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.