Fana: At a Speed of Life!

ባእዲ ነገር ዝተሓወሰሉ ዘይቲ ብልዒ ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቦም ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባእዲ ነገር ዝተሓወሰሉን ንፅህንኡ ዘይሓለወን ልዕሊ 200 ጀሪካን ዘይቲ ብልዒ ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቦም ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ወረዳ 1 ኢዮም ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ተባሂሉ።

ፖሊስ ዝቐረበሉ ሓበሬታ ብምቕባል ብመሰረት ዝገበሮ ክትትልን ኣብ መኽዘን ተጠርጠርቲ ብዝገበሮ ተፍቲሽን 20 ሊትሮ ኣብ ዝሕዝ ጀሪካን ተመሊኡ ዝተኸዘነ ባዕዲ ነገር ዝተሓወሰሉን ንፅህንኡ ዘይሓለወን ዘይቲ ብልዒን ብኤግዚቢትነት ከምዝሓዘ ኣብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.