Fana: At a Speed of Life!

እዚ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ፍሉይ ሓይሊ ፀረ ሓይሊታት ግብረ ራዕዲ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሕቲ እዚ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ዝርከብ መሰልጠኒ ቤት ትምህርቲ ፍሉይ ሓይሊ ፀረ ሓይሊታት ግብረ ራዕዲ “ሃደንቲ” ብዝብል መፀውዒ ዘሰልጠኖም መበል 12 ዙር ፍሉይ ሓይሊታት ፀረ ግብረ ራዕዲ ሓይሊታት ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ሓዊሱ ላዕዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ተረኺቦም።

ተመረቕቲ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት እቲ እዚ ኣፈፃፅማ ወፍሪን ዲሲፕሊኖምን ዝተመረፁን ዝተውሃበ ኣፀጋሚ ስልጠና ብዘዕግብ ኩነታት ዝዛዘሙን ከምዝኾኑ ሓበሬታ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልሓል የመላኽት።

ተመረቕቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝወሃቦም ወፍሪ ብንፅል ይኹን ብጉጅለ ንምፍፃ ዘኽእል ስልጠና ዝወሰዱ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.