Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኡጋንዳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ህይወት 21 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ርእሰ ከተማ ኡጋንዳ ካምፓላ ብዝዘነበ ከቢድ ዝናብ ዘስዐቦ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ክሳብ ሕዚ ህይወት 21 ሰባት ከምዝሓለፈ ተሓቢሩ።

ኣብታ ከተማ ኪቲዚ ብዝተብሃለ መጠራቐሚ ረሳሕ ነበርቲ ኣብ ዝደቀሱሉ ሰዓት ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት፥ ኣብ ልዕሊ ሰባት፣ እንስሳትን ኣባይቲን ጉድኣት ከምዘብፀሐ ተሓቢሩ።

እቲ ሓደጋ ስዒቡ ድማ ክሳብ ሕዚ 21 ሰባት ህይወት ከምዝሓለፈን ልዕሊ 1 ሺሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉን ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ዩዌሪ ሙሴቬኒ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ናይ ምውፃእ ስራሕ ንኽስራሕ መምርሒ ከምዝሃቦም ተዛሪቦም።

እዚ ስራሕ ድማ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ሮቢናህ ናባንጃ ዘተሓባብረኦ ከምዝኾነ ምግላፆም ሬውተርስ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.