Fana: At a Speed of Life!

መዕፀዊ ስነ-ስርዓት ኦሊምፒክ ፓሪስ ሎሚ ምሸት ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መዕፀዊ ስነ-ስርዓት መበል 33 ፀወታታት ኦሊምፒክ 80 ሺሕ ተመልከትቲ ኣብ ዘተኣናግድ ብሄራዊ ስታዲየም ስታድ ደ ፍራንስ ሎሚ ምሸት ካብ ሰዓት 4 ጀሚሩ ክካየድ ኢዩ፡፡

ባንዲራ ኦሊምፒክ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2028 መበል 34 ፀወታ ኦሊምፒክ ንተተኣናግድ ሎስ ኣንጀለስ መርሃ ግብሪ ምትሕልላፍ ክሳለጥ ኢዩ፡፡

ፓሪስ ዘተኣናገደቶ መበል 33 ፀወታታት ኦሊምፒክ ካብ 19 ሓምለ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ እናተኻደ ምፅንሑ ይፍለጥ፡፡

ኣብቲ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ 1 ሜዳሊያ ወርቂን ሰለስተ ሜዳሊያታት ብሩርን ብምርካብ ተሳትፎኣ ዛዚማ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.