Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶኻን ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶኻን ዘቲዮም።
እቲ ዘተ፥ ክልቲኣዊ ርክብ ክብ ብምባል ብፍላይ ልውውጥ ንግዲ ብዕፅፊ ንምዕባይ ጠመተ ዝገበረ ኢዩ።
ብተወሳኺ ዞባዊ ምትሕብባር ንምጥናኻር ምዝታዮም ተገሊፁ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዘሎ ኣፈላላይ ሓሳብ ንምፍታሕ ፕሬዚዳንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶኻን ንዝገበርዎ ደገፍ ንኢዶም።
120 ሚሊየን ህዝቢ ዝሓዘት ኢትዮጵያ ብመገዲ ሓበራዊ ስምምዕነት በሪ ባሕሪ ምርካብ ኣድላይነት እውን ኣፅንኦት ብምሃብ ምግላፆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.