Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ፍርያታት ግቡእ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ዝገበሩ 3 ሺሕን 512 ትካላት ንግዲ ተዓሺጎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘይሕገዊ ተግባራት ንግዲ ኣብ ልዕሊ ዝተዋፈሩ ነጋዶን ትካላትን ዝውሰድ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ምስ ኣባላት ብሄራዊ ሓበራዊ ኮሚቴ ፀረ ዘይሕጋዊ ንግዲን ምቁፅፃር ዕዳጋን ትካላት ንግዲ ኣብ ዘይሕጋዊ ወሰኽ ዋጋ ሸቀጣትን ምኽዛን ፍርያትን ኣብ ክልላት እናተወገኑ ዝርከቡ ተግባራት ገምጊሞም።

መበል 12 መዓልቱ ኣብ ዘቑፀረ እቲ ገምጋም ትማሊ ጥራሕ ግቡእ ብዘይኮነ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዝወሰኹ 3 ሺሕን 512 ትካላት ንግዲ ከምዝተዓሸጉን 38 ነጋዶ ድማ ብማእሰርቲ ከምዝተጠቕዑን ገሊፆም።

ብካሊእ መዳይ ፍርያት ብዘይተገበአ መገዲ ዝሓብኡ 2 ሺሕን 95 ትካላት ንግዲ ዝተዓሸጉ እንትኾኑ÷ ውፀእ ጥሕሰት ሕጊ ዘርአዩን ንሕጊ ዘይግዝኡን 212 ነጋዶ ድማ ብማእሰርቲ ከምዝተቐፅዑ ኣፍሊጦም።

ክሳብ ትማሊ ዕለት ብዝተገበረ ቁፅፅርን ክትትልን ጥሕሰት ሕጊ ፈፂሞም ብምርካቦም ካብ ሞንጎ ዝተዓሸጉ ትካላት ንግዲ ሎሚ መዓልቲ 24 ሺሕን 386 ትካላት ብሕጋዊ መገዲ ንምስራሕ ስለዝተስማዕምዑ ተኸፊቶም ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.