Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልላት ሰፊሕ ቀረብ ኣባይቲ ንክህሉ ዘኽእል ስራሕ ይስራሕ ኣሎ-ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልላት ሰፊሕ ቀረብ ኣባይቲ ንክህሉ ዘኽእል ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ክብላ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ ተዛሪበን።

ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣብ ዓውዲ ከተማን መሰረተ ልምዓትን  ኣብ 2016 ዓ.ም ዝነበረ ኣፈፃፅማ ትልሚን ናይ 2017 ዓ.ም ትልምን ብዝምልከት መድረኽ ገምጋምን ዘተን የካይድ ኣሎ።

ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ፥  ኣብ ዓውዲ ከተማን መሰረተ ልምዓትብን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝሓሹ ኢዮም ኢለን።

ኣብ ከተማታት ዝረኣዩ ሕፅረት መንበሪ ኣባይቲ ንምቕራፍ ዝስርሑ ዘለዉ ተግባራት ዝተባብዑ አንተኸኑ እውን፥ እቲ ዘሎ ሕፅረት ኣባይቲ ንምቕራፍ በስፍሓት ምስራሕ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲበን።

ስለዝኾነ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ብምስታፍ ቀረብ ኣባይቲ ንምስፋሕ ዘኽእል ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪበን።

ብቤዛዊት ከበደ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.