Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዘህንፆ ዓለም ለኸ መገዲ ኣየር ዲዛይን ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ምስ ኩባኒያ  ዳር ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዘህንፆ ዓለም ለኸ መገዲ ኣየር ዲዛይን ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ምስ ኩባኒያ  ዳር ከቲሙ።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ጥቓ ቢሸፍቱ ኣብ ዘሎ ኣቡሴራ ዝተብሃለ ከባቢ ንዝህነፅ ዓለም ለኸ መገዲ ኣየር ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እቲ ዲዛይን ብምስራሕ ምዝዛም ዘኽአል ስምምዕነት ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ኩባኒያ ካብ ስራሕቲ ዲዛይን ብተወሳኺ ኣብ ምሕራይ ኮንትራክተር እቲ ህንፀት ነሳይ ምምኻር ስራሕ ከምዝሰርሕ ተሓቢሩ።

እቲ ህንፀት ኣብ ውሽጢ 5 ዓመት ዝዛዘም እንትኸውን፥ ኣብ ፈላማይ ምዕራፍ 60 ሚሊየን ዓማዊል ምትእንጋድ ዘኽአል መገዲ ኣየር ከምዝህነፅ ተሓቢሩ።

ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ዝህነፅ ድማ 100 ሚሊየን ዓማዊል ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ከምዝህልዎ ተገሊፁ።

ብዘመን በየነ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.