Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ትፅቢት ትገብረሉ ውድድር ፍፃመ 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ ምሸት ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 33 ኦሊምፒክ ፓሪስ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝሳተፋሉ  ውድድር ፍፃመ 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ ምሸት ክካየድ ኢዩ፡፡

ኣብቲ ውድድር ፍፃመ÷ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ፣ ኣትሌት ፅገ ገብረሰላማን ኣትሌት ፎትዬን ተስፋይን ንኢትዮጵያ ብምውካል ብርቱዕ ንሕንሕ ክገብራ ኢየን፡፡

እቲ ውድድር ምሽት 3 ሰዓትን 57 ደቒቕን ኣብ ብሄራዊ ስታዲየም ስታድ ደ ፍራንስ ክካየድ ኢዩ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ኦሊምፒክ ፓሪስ÷ ክሳብ ሕዚ ብደቂ ተባዕትዮ 10 ሺሕ ሜትሮን ብደቂ ኣንስትዮ 800 ሜትሮን 2 ሜዳሊያታት ብሩር ጥራሕ ብምርካብ ኣብ መበል 63 ደረጃ ትርከብ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.