Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መቐለ ኣብ 35 ሽሕ ካሬ መሬት ዝዓርፍ ፕሮጀክት ሓምለዋይ ልምዓት ንምጅማር ዘኽእል ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ 35 ሽሕ ካሬ መሬት ዝዓርፍ ፕሮጀክት ሓምለዋይ ልምዓት ንምጅማር ምስ ማሕበረሰብ ከተማ መድረኽ ዘተ የሳልጥ ኣሎ።
ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ፥ እቲ ኣብ ከባቢ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ ዝህነፅ ፕሮጀክት ኣብ ፅባቐ እታ ከተማ፣ ሓምላዋይ ከባቢ ኣብ ምፍጣር፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ምዕባይ ቱሪዝምን ብራኸ ኢኮኖሚ እታ ከተማን ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም።
ዲዛይን እቲ ፕሮጀክት ብዩኒቨርሲቲ መቐለ ከምዝተወገነ ብምግላፅ፥ ንምምሕያሽ ክፉት ከምዝኾነን “ኣሸንዳ ስኩየር ” ዝብል መበገሲ ስያመ ከምዝተወሃቦን ተሓቢሩ።
ኣብቲ መድረኽ፥ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ይትባረኽ ኣማሃን ካልኦት ላዕለዋት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልል፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ከተማ መቐለን ይሳተፉ ኣለዉ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.