Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ 7 ሺሕ ዘይሕጋዊያን ነጋዶ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተኻየደ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ዋጋ ብምውሳኽን ፍሪያት ኣብ ምሕባእን ተግባር ዝተረኸቡ ኣብ ልዕሊ 7 ሺሕ ዘይሕጋዊያን ነጋዶ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ሚኒስቴር ንግዲን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ንግዲን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)፥ ኣብ ሸርፊ ወፃኢ ዝተገበረ ለውጢ ምኽኒያት ብምግባር ዝተርኣየ ዋጋ ፍሪያት ምውሳኽ ንምግታእ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብዝተወደበ ኣገባብ ቁፅፅር ይግበር ኣሎ ኢሎም።

ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ንዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ ግንዛበ ናይ ምጭባጥ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ሓቢሮም።

እቲ ናህሪ ዋጋ ንምርግጋዕ መሰረታዊ ሸቐጣት ዝፃዓና 1 ሺሕን 649 ተሽከርከርቲ ናብ ዕዳጋ ይኣትዋ ከምዘለዋ ተዛሪቦም።

ልዕሊ 115 ሺሕ ሊትሮ ዘይቲ ብልዒ ኣብ ከይዲ ምስርጫው ከምዝርከብ ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.