Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ብውድድር ምፅራይ 1500 ሜትሮ ናብ ፈርቂ ፍፃመ ሓሊፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ኣብ ካልኣይ ዙር ውድድር ምፅራይ 1500 ሜትሮ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፋ።

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፥ ኣብ ምድብ ሓደ ቀዳመይቲ ብምዃን ኢያ ነቲ ርሕቐት ዛዚማቶ።

ኣአትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ኣትሌት ድርቤ ወልተጂን ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ፈላማይ ዙር መፃረዪ ከካብ ምድበን ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ምሕላፈን ይዝከር።

እቲ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ ፅባሕ ምሸት ሰዓት 2፡35 ክካየድ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.