Fana: At a Speed of Life!

ፊሊፒንስ ምስ ኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባውያን መሻርኽታን ዝጀመረቶ ልምምድ ኲናት ንቻይና ኣቕሒሩዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ፣ ኣውስትራሊያ፣ ካናዳን ፊሊፒንስን ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ወተሃደራዊ ልምምዳት ሓይሊ ባሕሪን ሓይሊ ኣየርን ምግባር ምጅማረን ንቻይና ኣቕሒሩዋ።

ነዚ ስዒቡ ሰራዊት ቻይና፥ እታ ሃገር ምስ ፊሊፒንስ ናይ ይግበአኒ ውጥጥ ኣብ ዘበግሳሉ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ወተሃደራዊ ልምምር ምክያድ ከምዝጀመረ ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ዕለት ዝካየድ ዘሎ ልምምድ፥ ፊሊፒንስ ምስ ኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባውያን መሻርኽታን ንዝጀመረቶ ወተሃደራዊ ልምምድ ምላሽ ንምሃብ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ልምምዳት ቻይና፥ ዓቕሚ ምልከታን ቅድመ መጠንቀቕታን ሰራዊታ ዝፍትሹ ከምዝኾኑ እታ ሃገር ምግላፃ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.