Fana: At a Speed of Life!

ኣፈ ጉባኤ ወ/ሮ ኬሪያ ኣብ ድሮ ዝፀውዕዑ ስሩዕ ኣኼባ መልቀቒ ምሕታተን ግቡእ ኣይኮነን-ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 01 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂም ኣብ ድሮ ዝፀውዕዑ ስሩዕ ኣኼባ መልቀቒ ምሕታተን ግቡእ ዘይኮነን ከም ተወካሊት ሓላፊት ብሄር ብሄረሰባት ትኽክለኛ ውሳነ ኣይኮነን ክብል ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣፍሊጡ።

እተን ኣፈጉባኤ ኣፈላላይ ኣለኒ ኢለን ብሚዲያ ካብ ምግላፅ ወፃእ ብባዕለን ምስ ዝምራሕ መተሓባበሪ ኮሚቴ ምንም ዓይነት ኣፈላላይ ከምዘይነበረን ተገሊፁ።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂም ካብ ዝነበረን ሓላፍነት ትማሊ ከምዝለቐቓ ዕላዊ ምግባረን ስዒቡ፥ ምክትል ኣፈጉባኤ ፌዴሬሽን ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምስ ግዜኢ ፃንሒት ገይሮም ኢዮም።

ምክትል ኣፈጉባኤ ፌዴሬሽን ኣይተ መሓመድ ረሽድ ሃጂ፥ እተን ኣፈጉባኤ ኣብ ቀፀልቲ መዓልታት ብዛዕባ ዝካየድ ስሩዕ ኣኼባ ምስ ዝመርሕ ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ብምዃን ብዝግባእ ተዛቲዮምን ኣጀንዳ ኣፅዲቖምን ከምዝነበሩ ገሊፆም።

ሓደ ኣባል ቤት ምኽሪ መልቀቒ ስራሕ እንተቕርብ ናይ ባዕሉ ደንብን ኣሰራርሓን እንተሃለዎ እውን ወይዘሮ ኬሪያ ዝሃብኡ ውሳነ ግን ካብዚ ዘፈንገጠ ተግባር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቶም ኣባላት ስለዝተፀውዑ እቲ ስሩዕ ኣኼባ ብዝተትሓዘሉ እዋን ከምዝካየድ እውን ገሊፆም።

እተን ኣፈጉባኤ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ብምዃነን ኣብ ስሩዕ ዘተ እቲ ቤት ምኽሪ ቅዋም ውድበንን ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዘለወን ሓላፍነትን ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከምዘተኣናግዳ ምግላፀን እውን ኣይተ ኣሕመድ ኣዘኻኺሮም።

ምናልባት ብባዕልቶም ፅዕንቶ ተገይሩለን እንተዘይኮይኑ ብኣባላት ቤት ምኽሪ ዝበፅሐን ምንም ዓይነት ፅዕንቶ ከምዘይነበረ ሓቢሮም።

ዋና ፀሓፊ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕገመንግስቲን መንነትን እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ወርቁ ኣዳሙ ብግደኦም፥ 3 ሰነ 2012 ዓ.ም ስሩዕ ኣኼባ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እተን ኣፈ ጉባኤ ሕቶ እንተሃለወን እውን ንቤት ምኽሪ ብምቕራብ ብመሰረት እቲ ስነስርዓት ክለቃ ነይሩወን ኢሎም።

ባዕለን ኣብ ዝፀውዕዑ ድሮ ስሩዕ ኣኼባ ኣተሓባባሪ ኮሚቴ እንተይፈለጠ ብሚዲያ ምዝራበን ግን ትኽክለኛ ውሳነ ኣይኮነን ክብሉ ገሊፆም።

እተን ኣፈጉባኤ ዝሃብኡ ውሳነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝሃበን ሓላፍነትን እምነትን ምጉዳል ገይሮም ከምዝሓስብዎ ብምግላፅ፥ ሃንደበት ብሚዲያ ወፂአን ምዝራበን ሕቡእ ዕላማ ከምዘለዎ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.