Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ እትሳተፈሉ ውድድር ፍፃመ መሐንኩሎ 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ ሎሚ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 33 ፓሪስ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ እትሳተፈሉ ውድድር ፍፃመ መሐንኩሎ 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባቲዮ ሎሚ ክካየድ ኢዩ።

እቲ ውድድር ምሸት ሰዓት 4፡43 ኢዩ ክካየድ።

ኣትሌት ለሜቻ ግርማ፣ ሳሙኤል ፍሬውን ጌትነት ዋለን ክሳተፉ ኢዮም።

ሰዓት 6፡10 ቀትሪ ድማ ብመፃረዪ 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት፣ ቢንያም መሓሪን ኣዲሱ ይሁኔን ክሳተፉ ኢዮም።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ መፃረዪ ውድድር ደቂ ኣኒስቲዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ካብ ምድባ ዝሓለፈት ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ሎሚ ሰዓት 7፡45 ዳግም ኣብ መፃረዪ ክትሳተፍ ኢያ።

ኣብ መበል 33 ፓሪስ ኦሊምክ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ክልተ ሜዳሊያታት ብሩር ብምሓዝ መበል 52 ደረጃ ተቐሚጣ ኣላ።

ኣሜሪካ፣ ቻይና፣ አውስትራሊያን ፈረንሳይን ብቕደም ሰዓብ  ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ሒዘን ኢየን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.