Fana: At a Speed of Life!

ፊልድ ማርሻል ብርሀኑ ጁላ ፋብሪካ መገጣጠሚ ራዲዮ መሪቖም ከፊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ጄኔራል ኣበባው ታደሰን ኣብ ኮርፖሬሽን ኢንጂነሪንግ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ኢንዱስትሪ ኤሌክትሮኒክስ ኢንጂነሪንግ ፋብሪካ መገጣጠሚ ራዲዮ መሪቖም ከፊቶም፡፡

ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላ እቲ ወታደራዊ ራዲዮ ኣብ ዓለም ናይ መወዳእታ ብርኪ ዲጂታል ራዲዮ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ እዚ ጋህዲ ንምግባር ኣመራርሓ ኩባንያ ሃይቴራ ቻይናን ኮርፖሬሽን ኢንጅነሪንግ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ኣመስጊኖም።

ዋና ዳይሬክተር ኮርፖሬሽን ኢንጅነሪንግ ኢንዱስትሪ ኣይተ ጌታቸው ሃይለማርያም ብግደኦም÷ እቲ ፋብሪካ ማእከላይን ናይ ነዊሕ ርሕቐትን ወታደራዊ ራዲዮታት ዘፍሪ ከምዝኾነን ካብቲ ወታደራዊ ራዲዮ ሓሊፉ ንሲቪል ኣገልግሎት ዝውዕሉ ራዲዮታት ዘፍሪ ከምዝኾነ ገሊፆም።

መካየዲ ስራሕ ኤሌክትሮኒክስ ኢንጂነሪንግ ኢንዱስትሪ ኮሎኔል ዘውዱ ኣለፈ÷ ኣብቲ ፋብሪካ ስግግር ቴክኖሎጂ ዝተኻየደሉን ኣብ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ሜጄር ጄኔራል ሙሉጌታ ቡሊ ዝተምሃሩ ሰብ ሞያ ቴክኒክን ኣብ ተግባር ምግጥጣም ከምዝሳተፉ ኣብሪሆም።

እቲ ወታደራዊ ራዲዮ ኣዚዩ ዘበናዊ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ፀባይ ኣየር ብዘይፀገም ዝሰርሕ፣ ንምሓዙ ቀሊል፣ ንዝኾነ ይኹን ወፍሪ ዝምቹ ከምዝኾነን ሸርፊ ወፃኢ ዘምፅእን ከምዝኾነ እውን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ምግላፁ ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.