Fana: At a Speed of Life!

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም ብገዛ ፍቓደን ካብ ሓላፍነተን ለቒቐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ብፍቓደን ካብ ሓላፍነተን ከምዝለቐቓ ተገሊፁ።

ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ሰልጣነን ብፍቓደን ዝለቐቓ፥ ሕገ መንግሰቲ ምሰ ዝጥሕስን ውልቀ ምልክነት ምሰ ዘሰጉምን ጉጅለ ንምሰራሕ ፍቓደኛ ብዘይምኻነን ከምዝኾነ ገሊፀን።

ኣብ 2010 ዓ.ም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ፌዴሪኢ ኮይነን ዝተሾማ ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም፥ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ወረዳ ጀሚሩ ኣብ ዘሎ መሓውር መንግስቲ ካብ 1995 ዓ.ም ጀሚረን እናገልገላ ፀኒሐን ኢየን።

ወይዘሮ ኬርያ ሓንቲ ካብተን ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት እንትኾና፥ ቅድሚ ናብ ባይቶ ፌደሬሽን ምምፀአን ሓላፊት ስቪል ሰርቪስ ትግራይ ኮይነን የገልግላ ነይረን።

ኣመሓዳሪት ዞባ ደቡብ ምብራቕን ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂኣንስትዮን ኮይነን’ውን ሰሪሐን ኢየን።

ኣብ ኣስመራ ዝተወለዳ ወይዘሮ ኬርያ፥ ቀዳማይ ዲግሪ ኢኮኖሚክስ፣ ካልኣይ ዲግሪ ድማ ኢንቫይሮሜንታል ኣንትሮፖሎጂ ከምዝተምሃራ እውን ተገሊፁ።

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ፥ 5ይ ዘበነ ፓርላማ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ስሩዕ ኣኼቡኡ ንምክያድ ንዝቕፅል ሮቡዕ 3 ሰነ 2012 ዓ.ም ፀዊዑ ኢዩ።

ፍልፍል፦ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.