Fana: At a Speed of Life!

ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝተማለአ ሃገራዊ ምዕባለ ዘምፅእ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝተረጋገአ፣ ዝተማለአን ቀፃልነት ዘለዎ ሃገራዊ ምዕባለን ዘምፅእ ከምዝኾነ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ገሊፆም።

እቲ ከይዲ መመሓየሺ÷ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ሓዊሱ ብሓገዝ ዓለም ለኸ መሓዙት ዝትግበር ከምዝኾነ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ተዛሪቦም።

ማዕቐፍ ፖሊሲ ገንዘብ ብዕዳጋ ንኽምራሕ፣ ዕዳ ብምቅላል፣ ፖሊሲ ገንዘብን ፋይናንስን፣ ፊስካል ፖሊሲ ኣታዊን ወፃኢን መንግስቲ  ብምምሕያሽን ዕዳ ብምቅላልን ዕዙዝ ረብሓ ከምዘለዎ ኣልዒሎም።

ኣብቲ ሪፎርም ፅዕንቶ ንዝበፅሖም ወገናት ወሰኽ መሃያን ድጎማን ከምዝግበር ንግዜኢ ገሊፆም፡፡

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ብግደአን÷ ተዋደዳዊ ብዝኾኑ ናይ ኣሰራርሓ ክፍተታት ተሓኒቑ ዝነበረ ዘፈር ውልቀ ብምንቕቓሕ መሪሕ ኢኮኖሚ ዝኾነሉ ዕድል ከምዝፈጠረ ኣብሪሆም፡፡

ድሕሪ ሃገራዊ ለውጢ ዝተረጋገአ ማክሮ ኢኮኖሚ ንኽህሉ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ዝሓበሩ ድማ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ ምህረቱ ኢዮም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.