Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ምስ ፋውንዴሽን ልምዓት ገፀር ቻይና ብምትሕብባር ንምስራሕ ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ምስ ፋውንዴሽን ልምዓት ገፀር ቻይና ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲሙ።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ዓልኣይ ምዕራፍ ማዕቐፍ ምትሕብባር ኣብ 7 ቀንዲ ቀንዲ ዓውዲታት ልምዓት ንፀገም ዝተቓልዑ ክፋላት ማሕበረሰብ ተረባሕቲ ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፥ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዓውዲታት ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካን ንዓመታት ዝፀንሐ ርክብ ከምዘለወን ተዛሪበን።

ምስቲ ፋውዴሽን ዝተገበረ ስምምዕ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ፅኑዕ ሕውነትን ምትሕብባርን ሓደ መርኣያ ከምዝኾነ ገሊፀን።

እቶም ፕሮጀክትታት ብፍላይ ኣብ ትሑት ናብራ ንዝርከቡ ዜጋታት ንምድጋፍ ዝግበር ፃዕሪ ከምዝሕግዙ ገሊፀን።

ውፅኢታዊ ንክኾን እውን እቲ ሚኒስቴር ብሓባር ንምስራሕ ቁርፀኛ ኢዩ ኢለን።

ካንትሪ ዳይሬክተር እቲ ፋውንዴሽን ይን ቼን ብግደአን፥ ኣብቶም ዝተሓበሩ ዓውዲታት ኣድላዪ ሓገዝን ደገፍን ንምግባር ድልውቲ ከምዝኾና ተዛሪበን።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.