Fana: At a Speed of Life!

ዕቤት ተሳትፎ ውድድራት ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ናይዚ ዓመት ሓዊሱ ኣብ ታሪኻ ኣብ 15 ውድድራት ኦሊምፒክ ተሳቲፋ ኢያ፡፡

ፈላማይ ተሳትፎኣ ኣብ ዝኾነ መበል 16 ውድድር ኦሊምፒክ 12 ኣትሌታት ዘሳተፈት ኢትዮጵያ÷ ብውድድር ኣትሌቲክስ ቅብብል ዱላን ብስክሌትን ተኻፊላ ነይራ፡፡

ኣብ መበል 17 ውድድር ኦሊምፒክ ድማ ብ10 ስፖርተኛታት ብኣትሌቲክስን ብስክሌትን ክትሳተፍ ክኢላ ነይራ፡፡

ከምኡ እውን ብዓይነታት ስፖርት ኣትሌቲክስ፣ ቦክስን ብስክሌትን 12 ኣትሌቶችን ብመሓዝ ኣብ መበል 18 ውድድር ኦሊምፒክ ተሳተፊፋ፡፡

ኣብ መበል 19 ውድድርኦሊምፒክ ድማ ብ18 ስፖርተኛታት ብዓውዲ ኣትሌቲክስ፣ ቦክስን ብስክሌትን ክትሳተፍ ክኢላ ነይራ።

ኣብ መበል 20 ውድድራ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ብኣትሌቲክስ፣ ቦክስን ብስክሌትን 31 ስፖርተኛታት ሒዛ ቀሪባ።

ኢትዮጵያ 45 ኣትሌታት ብዓይነታት ስፖርት ኣትሌቲክስ፣ ቦክስን ብስክሌትን ዝተሳተፈት ኣብ መበል 22 ውድድር ኦሊምፒክ ኢዩ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ታሪኻ ብዙሓት ተወዳደርቲ ዘሳተፈትሉ እዋን ነይሩ፡፡

ኣብ 25 ውድድር ኦሊምፒክ ውድድር ብዓይነታት ስፖርት ኣትሌቲክስን ብስክሌትን 20 ስፖርተኛታት ኣሳቲፋ ነይራ።

ከምኡ እውን ኣብ መበል 26 ውድድር ኦሊምፒክ 18 ስፖርተኛታት ብኣትሌቲክስን ቦክስን ኣሳቲፋ።

ኣብ መበል 27 ውድድር ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ብኣትሌቲክስን ቦክስን 26 ተወዳደርቲ ሒዛ ከምዝቐረበት ይንገር፡፡

ኣብ መበል 28 ውድድር ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ ዓይነታት ስፖርት ብትሌቲክስን ቦክስን 26 ስፖርተኛታት ኣሳቲፋ።

ኣብ ዓውዲ ኣትሌቲክስ ጥራሕ ዝተሳተፈትሉ መበል 29 ውድድር ኦሊምፒክ ድማ 27 ተወዳደርቲ ሒዛ ተሳቲፋ ነይራ፡፡

መበል 12 ተሳትፎኣ ኣብ ዝኾነ መበል 30 ውድድር ኦሊምፒክ ድማ 35 ስፖርተኛታት ብመሓዝ ኣብ ስፖርት ኣትሌቲክስ ንፈለማ እዋን ድማ ብሓመሳ ማይ ተሳቲፋ።

ኣብ መበል 31 ውድድር ኦሊምፒክ ብዓይነታት ስፖርት ኣትሌቲክስ፣ ብስክሌትን ሓመሳ ማይን ተሳቲፋ።

ብኣርባዕተ ዓይነታት ስፖርት 38 ስፖርተኛታት ኣብ ዘሳተፈትሉ መበል 32 ውድድር ኦሊምፒክ ንፈለማ እዋን ብቴኳንዶ ተኻላ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣትሌቲክስ፣ ብስክሌትን ሓመሳን ይርከቡዎ፡፡

ብኣሰናዳእነት ፈረንሳይ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 33 ውድድር ኦሊምፒክ እዚ ዓመት ኢትዮጵያ ሓዊሱ 206 ሃገራትን 10 ሺሕን 500 ስፖርተኛታትን ብ32 ዓይነታት ስፖርት ክወዳደሩ ኢዮም።

ኢትዮጵያ ድማ ኣብ መበል 15 ተሳትፎኣ ብኣትሌቲክስን ሓመሳን 38 ስፖርተኛታት እናሳተፈት ትርከብ፡፡

ሰናይ ዕድል ንኢትዮጵያ!!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.