Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ስርዓት ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ እዛ ሃገር ከምዘመሓየሸ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ መዓልቲ ኑጉሆ ጀሚሩ ስርዓት ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ ከምዘመሓየሸ ኣፍሊጡ፡፡

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ስርዓት ምምሕያሽ ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ÷

መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ሓፈሻዊ መመሓየሺ ፕሮግራም ማክሮ ኢኮኖሚ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለፂ ስዒቡ እቲ ባንኪ ድማ ካብ ሎሚ መዓልቲ ኑጉሆ ጀሚሩ ስርዓት ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ እዛ ሃገር ከምዘመሓየሸ ኣፍሊጡ፡፡

ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ዝውዕል እዚ መመሓየሺ÷ ንኢትዮጵያ ተወዳዳሪት ናብ ዝኾነን ኣብ ዕዳጋ ዝተመርኮሰ ስርዓት ሸርፊ ወፃኢ ከምዘሰጋግራን ኣብ ውሽጢ ኢኮኖሚ ንነዊሕ እዋን ተስፋሕፊሑ ዝፀንሐ ዘይምርግጋእን ምዝባዕን ማክሮ ኢኮኖሚ ከመሓይሽ ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘሎ ገሊፁ፡፡

እቲ ምምሕዳር መመሓየሺ ሸርፊ ወፃኢ ሓዱሽ መምርሒ ሸርፊ ወፃኢ መሰረት ብምግባር ዝትግበር ኢዩ፡፡

እዚ ምምሕያሽ ስርዓት ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ መርሃ ግብሪ መመሓየሺ ሃገር በቀል ኢኮኖሚ ዝተመስረተን ኣብ ቀፃሊ ኣብ ስራሕ ካብ ሞንጎ ዝውዕሉ ሰፋሕቲ ምምሕያሻት ማክሮ ኢኮኖሚ ሓደ እንትኸውን፣ ቀንዲ ሸቶኡ ድማ ቀፃልነት ዘለዎ፣ መሰረተ ሰፊሕን ንኹሉ ዘሳትፍን ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ከምዘሎ ንምርግጋፅ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝግበር እቲ ምምሕያሽ ስርዓት ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ ዝስዕቡ ዓበይቲ ሓደሽቲ ለውጢታት ፖሊሲ ከምዘካትት እውን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ፡-

  1. እቲ ስርዓት ምምሕያሽ ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ሞንጎ ባንኪታትን ዓማዊሎምን ናብ ዝውሰነሉ ስርዓት ዕዳጋ ክሰጋገር ኢዩ፡፡ ግደ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዕዳጋ ኣብ ምርግጋእ ዘድሀበ ክኸውን ኢዩ፡፡
  2. ሸርፊ ወፃ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ናይ ምትሕልላፍ ግቡእ ተራፊ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ብምዃኑ ድማ ለኣኽቲን ባንኪታት ንግዲን ዘፍረዩዎ ሸርፊ ወፃኢ ንባዕሎም ከትርፉዎ ይኽእሉ ኢዮም፤ እዚ ድማ ንዘፈር ውልቀ ዝወሃብ ቀረብ ሸርፊ ወፃኢ ኣዚዩ የመሓይሾ፡፡
  3. ቅድም ክብል ኣብ 38 ኣተውቲ ንግዲ ሸቐጣት ተነቢሩ ዝነበረ እግድ ተላዒሉ ኣሎ፡፡ ናብ ወፃኢ ዝግበር ፍሰት ካፒታል ሒሳብ ከምቀደሙ ዝተገደበ ይኹን እምበር፣ ዕዳጋ ሸርፊ ወፃኢ ንኣተውቲ ሸቐጣትን ኣገልግሎታትን ናፃ ክኸውን ኢዩ፡፡
  4. ፍርያታት ናብ ወፃኢ ዝልእኹ ነጋዶ ካብ ዘፍረዩዎ ሸርፊ ወፃኢ ኣታዊ ንባዕሎም ዘትርፉዎ ዝነበሩ 40 ሚኢታዊ ናብ 50 ሚኢታዊ ክብ ኢሉ ኣሎ፡፡
  5. ቅድም ክብል ባንኪታት ንዝተፈላለዩ ኣተውቲ ሸቐጣት ዝጥቀሙሉ ደምቢታት አሰራርሓን ኣደላድላን ሸርፊ ወፃኢ ተራፊ ኮይኑ ኣሎ፡፡
  6. ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስራሕ ካብ ዘለዉን ኣብ ባንክታት ካብ ዝተጣየሹን ቢሮታት ሸርፊ ወፃኢ (Forex Bureaus) ብተወሳኺ ባንኪታት ዘይኮኑ ናይ ውልቀ ሸርፊ ወፃኢ ቢሮታት ክጣየሹ ኢዮም፡፡ ነዞም ባንኪ ዘይኮኑ ቢሮታት ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ሸርፊ ወፃኢ ጥረ ገንዘብ ክዕድጉን ክሸጡን ፍቓድ ስራሕ ክወሃቦም ኢዩ፡፡
  7. ሸቐጣት ብፍራንኮ ቫሉታ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ምእታው መዳይ ዝተነበሩ ክልከላታት ንምልዓል ኣብ ቀረባ እዋን መመሓየሺ ደምቢ ክወፅእ ኢዩ፡፡
  8. ኣብ ወፃኢ ትካላት፣ ናይ ወፃኢ ኢንቨስተራትን ትውልደ ኢትዮጵያውያን (ብዳያስፖራታት) ዝተኸፈቱ ሒሳቫት ሸርፊ ወፃኢ ኣመሓድራ ዝምልከቱ ብዙሓት ሕጊታት ክልሕልሑ ተገይሩ ኣሎ፡፡
  9. ኣብ ኢትዮጵያ ነበርቲ ዝኾኑ ሰባት ካብ ወፃኢ ዝለኣኸሎም ሓዋላ፣ ብሸርፊ ወፃኢ ዝኽፈል መሃያ/ናይ ክራይ ኣታዊን ካልኦት ኣታዊታትን ዘቐምጡሎም ሒሳባት ሸርፊ ወፃኢ ክኸፍቱ፣ ከምኡ እውን እዞም ሒሳባት ሸርፊ ወፃኢ ተጠቒሞም ኣገልግሎት ክፍሊት ወፃኢ ንኽፍፅሙ ተፈቒዱ ኣሎ፡፡

10.ቅድም ክብል ውልቀ ኩባንያታት ወይ እውን ባንኪታት ብዝወስዱዎም ናይ ወፃኢ ልቓሓት ይኸፍሉዎ ዝነበረ ዝነበሩ ጣራ ተመን ወለድ ተላዒሉ ኣሎ፡፡

  1. መመዘኒ ዘማልኡ ኢንቨስተራት ወፃኢ ኣብ ኢትዮጵያ ሰነድ ዕዳጋ ሙዓለ ንዋይ (Ethiopian Securities Exchange) ንኽሳተፉ ተፈቒዱ ኣሎ፡፡
  2. ኣብ ፍሉያት ዞባታት ኢኮኖሚ ዝሰርሑ ኩባንያታት ሸርፊ ወፃኢ ኣታዊኦም ሙሉ ብሙሉእ ንባዕሎም ምሃዝ ሓዊሱ ፍሉይ መሰል ኣቓቕማ ሸርፊ ወፃኢ ተዋሂቡዎም፡፡
  3. ካብ ኢትዮጵያ ናብ ወፃኢ ሃገራት ዝጓዓዙ ወይ እውን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ መንገደኛታት ክሕዙዎ ኣብ ዝግብኡ መጠን ገንዘብ ሸርፊ ወፃኢ ተነቢሮም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ጥብቂ ደምቢታት ክፎኽሱ ተገይሩ ኣሎ፡፡

ኣብ ላዕሊ ዝቐረቡ መመሓየሺታት ምምሕዳር ሸርፊ ወፃኢ ቀፃሊ ደረጃ ዕቤት ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ዓለም ዘለዋ ዕቤት እናዓበየ ዝመፅአ ምትእስሳር ንምጥንኻር ዝሕግዙ ከምዝኾኑ እቲ መግለፂ ኣብሪሁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ከም መሪሕ ትልሚ ዓሰርተ ዓመትን ፕሮግራም ሪፎርም ሃቀል ኢኮኖሚን ዝበሉ ቁልፊ ሰነዳት ካብ ሞንጎ ዝሰፈሩ ኣንፈታት ፖሊሲ መንግስቲ ዝተናበቡን ዘላቒነት ዘለዎምን ምምሕያሻት ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.