Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሩባ ተከዘ ብጃልባ ተሳፊሮም እናተጓዓዙ ናይ ዝነበሩ 12 ሰባት ህይወት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ብሄረ ሰብ ዋግ ህምራ ካብ ወረዳ ሰሃላ ሰዬምት ናብ ወረዳ ዝቋላ ብሩባ ተከዘ ብጀልባ እናተጓዓዙ ዝነበሩ 12 ሰባት ብሃንደበታዊ ሓደጋ ውሕጅ ህይወቶም ሓሊፉ፡፡

መበገሲኦም ወረዳ ሰሃላ ሰዬምት ከተማ መሸሃን ቀበሌ ሰላዝጌን ብምግባር ናብ ወረዳ ዝቋላ ቀበሌ ሃገረ-ሰላም ደብሪ ዘመቁ ናብ ቀብሪ እናጓዓዙ ዝነበሩ 26 ሰባት ኣብ ጃልባ ተሳፊሮም ሩባ ተከዘ ኣቋሪፆም እናተጓዓዙ ሃንደበት ብዝተፈጠረ ሓደጋ ጋሻ ውሕጅ ኢዩ 12 ሰባት ህይወቶም ክሓልፍ ክኢሉ፡፡

ተቐዳሚ ዋና ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ህምራ ኣይተ ሃይሉ ግርማይ÷ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘለዎ ኩነታት በቲ ሓደጋ 12 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተዛሪቦም፡፡

7 ሰባት ድማ ልዑል ጉድኣት በፂሑዎም ሕክምና እናተገበሎም ከምዝርከብ ብምሕባር÷ 7 ሰባት ብሓመሳ ካብቲ ሓደጋ ከምዝተረፉ ምግላፆም ሓበሬታ እቲ ዞባ የመላኽት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.