Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ክልል ሃረሪ ስሩዕ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ሃረሪ ነክልተ ተኸታተልቲ መዓልታት ዘካይዶ ስሩዕ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ፥ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 2016 ዓ.ምን ትልሚ 2017 ዓ.ምን ብርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኦርዲን በድሪ ብምቕራብ ዘተ ተገይሩሉ ክፀድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ቤት ዕዮ ዋና ኦዲተርን ፀብፃብ ስራሕ 2016 ዓ.ምን ትልሚ 2017 ዓ.ምን ናብቲ ጉባኤ ብምቕራብ ክዝተየሉ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ጉባኤ ዝተፈላለዩ ሹመታት እወን ከምዝፀድቁ ተገሊፁ።

ብምንያህል መለሰ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.