Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንወረዳ ገዜ ጎፋ 45 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝግገመት ሓገዝ ገንዘብን ናውቲን ልኢኹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንወረዳ ገዜ ጎፋ 45 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝግገመት ሓገዝ ገንዘብን ናውቲን ከምዝለኣኸ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ከምዘፍለጠኦ፥ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ቀበሌ ኬቾ ቀበሌ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ዝኸውን ቀዳማይ ዙር ልዕሊ 45 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ሰብኣዊ ሓገዝ ገንዘብን ናውቲን ናብቲ ቦታ ተላኢኹ።

ካብ ሞንጎ ዝተለኣኹ ናይ ዓይነት ሓገዛት፤ ኣንቡላንስ፣ ንህፃናት ዝኾኑ ሃነፅቲ ምግቢታት፣ ሓገዝ ህፁፅ ሕክምና መውሀቢ መሳርሒታት፣ ኣፋውስ፣ እንሶላታትን ኮቦርታታን ከምዝርከቡሉ ፀሪሖም።

ከንቲባ ኣዳነች ዜጋታት ብዝበፅሐ ሓደጋ ዝተሰመዐን መሪር ሓዘን ብምግላፅ፥ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ህዝቢን ኩሉ እዋን ኣብ ጎኑ ከምዝኾነ ኣረጋጊፀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.