Fana: At a Speed of Life!

ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ንምኽባር ብሄራዊ ረብሐአን ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ክድግፋ ኣለወን ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ንምኽባር ብሄራዊ ረብሐአን ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ክድግፋ ኣለወን ክብሉ ዴይሊ ሳባህ ዜና ቱርኪ ገሊፁ።

እቲ ፍልፍል ዜና ኣብ ዝሓቦ ሓበሬታ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፀቕጢ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር ዝገብሮ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ልዑል ምዃኑ ሓቢሩ።

ሰብ ሞያ ሓለዋ ከባቢ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብብርኪ ዓለም ዝረአ ዘሎ ክሌማዊ ለውጢ ንዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ ክፀንሕ ይኽእል ኢሉ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ማዕቐፍ ክሌማዊ ለውጢ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ብምኽኒያት ደቂ ሰባት ዝፍጠር ከምዝኾነ ዝገልፅ እንትኸውን፥ እዚ እውን ክሌማዊ ለውጢ ዓለም ዝቕይር ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ተደጋጋሚ ክሌሜዊ ለውጢ ምፍጣሩ ንምድርን ኣብ ውሽጣ እውን ንዝሓዘቶም ደቂ ሰባት ከቢድ ፈተና ኢዩ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ክሌማዊ ለውጢ ህልውና ደቂ ሰባት ዝፍትን ብምዃኑ ስግኣት ዓለም ምዃኑ እቲ ፀብፃብ ገሊፁ።

ካብ 1980 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ዓለም ዝኸፍአ ኩነታት ኣየር፣ ተደጋጋሚን ከቢድን ማዕበል ሙቐት፣ በረኻነት፣ ምዕልቕላቕ ውሑጅ፣ ምምንማን ብዝሃ ህይወት፣ ምጉሕጓሕ መሬት ወዘተ ብዙሓት ፈተናታት ብሰንኪ ክሌማዊ ለውጢ ዝመፅአ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ንምኽባር ብሄራዊ ረብሐአን ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ክድግፋ ኣለወን ተባሂሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.