Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ብዝነበረ ጎንፂ ተፈናቒሎም ዝነበሩ ዜጋታት ናይ ምምላስ ከይዲ ዕዉት ከምዝነበረ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ብዝነበረ ጎንፂ ተፈናቒሎም ዝነበሩ ዜጋታት ናይ ምምላስ ከይዲ ዕዉት ከምዝነበረ ምክትል ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምዕራብ ሜጀር ጀነራል መለሰ በለጠ ተዛሪቦም።
ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ መሰረት ብምግባር እቶም ብምኽኒያት ዝነበረ ጎንፂ ካብ ወረዳ ጠለምት ከተማ ማይጠምሪ ተፈናቒሎም ዝነበሩ ኣስታት 3 ሺሕን 500 መራሕቲ ስድራ ልዕሊ 10 ሺሕ ዜጋታት ናብ መረበቶም ምምላሶም ተገሊፁ።
ካብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ተወከልቲ ሽማግለታት ብምምራፅ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣብ ጠለምት ሰለስተ ወረዳታት ነበርቲ ናይ ምዝታይ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።
ካብ 22 ሰነ ክሳብ 5 ሓምለ 2016 ዓ.ም ተፈናቐልቲ ናይ ምምላስ ቅድመ ምድላው ከምኡውን ህዝቢ ባዕሉ ብዝመረፆም ጊዚያዊ ምምሕዳር ናይ ምውዳብ ስራሕ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ ክፋል ማሕበረሰብ ብምስታፍ ዕዉት ስራሕ ተሰሪሑ ኢዩ ኢሎም።
ብመሰረት እዚ ሰራዊት ምክልኻል ናይ ክልቲኡ ክልላት ስምምዕነት ኣብ ምትግባር ከምዝርከብ ተገሊፁ።
ትኽክለኛ ተፈናቐልቲ ናይ ምፍላይ ስራሕ ብክልቲኡ ወገን ሽማግለታት ብምምራፅን ብምውዳብን ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ዘረድእ መረዳእታ ብምውዳብን ብምልላይን ናይ ምምላስ ስራሕቲ ምክያዱ ሜጀር ጀነራል መሰለ በለጠ ተዛሪቦም።
ናይቲ ከባቢ እዋናዊ ኩነታት ሰለማዊን ዝተረጋገዐን ምዃኑ፣ ብፍላይ ኣብ ማይጠምሪ ከተማ ዘለዉ ነጋዶን ሓረስቶትን ኢሉ እውን ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብ ስርሖም ብኣግባቡ ይሰርሑ ከምዘለዉ ጣቢያና ብዝገበሮ ትዕዝብቲ ንምግንዛብ ክኢልና።
ብታሪኩ ወ/ሰንበት
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.