Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትኬት ጉዕዞ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዕድጉ ወፃእተኛታት ብሸርፊ ወፃኢ ክኸፍሉ ከምዘለዎም ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትኬት ጉዕዞ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዕድጉ ወፃእተኛታት ብሸርፊ ወፃኢ ክኸፍሉ ከምዘለዎም ኣፍሊጡ።

እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዘውፀኦ መብርሂ፥ ንመገደኛታት ዝወሃብ ዓለም ለኸ ኣገልግሎት ሽይጣት ትኬት በረራ ብሙሉኡ ብሸርፊ ወፃኢ ጥራሕ ንክኸውን ከምዝተገበረ ብዘምስል ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ክዘዋወር ከምዝተዓዘበ ሓቢሩ።

ይኹን እንበር ኣብ ቀረባ እዋን ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣጠቓቕማ ሸርፊ ወፃኢ ጠሚቱ ብመሰረት ዘውፀኦ መምርሒ ካብ ወፃኢ ዓዲ ናብ ኢትዮጵያ ንዝግበሩ ጉዕዞታት ብናይ ውሽጢ ዓዲ ብር እንትወሃብ ዝነበረ ሽይጣት ትኬት ካብ 2 ሓምለ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ብኽፋል ዝተስተኻኸለ ከምዝኾነ እቲ መገዲ ኣየር ኣረጋጊፁ።

ስለዝኾነ እቶም መገደኛታት ብሸርፊ ወፃኢ ኣገልግሎት ዝረኽቡ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ።

እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝንቀሳቐሱ ኩሎም መገዲታት ኣየር ተግባራዊ ንክግበር ዝወረደ መምርሒ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቡ።

ኢትዮጵያዊያን፣ ሕጋዊ ሰነድ ዘለዎም ማለት ውን፥ መንበሪ ፍቓድ፣ ቢጫ ካርዲ፣ ፍቓድ ስራሕ፣ ዲፕሎማቲክ ፍቓድ ወዘተ ዘለዎም ዜጋታት ወፃኢ ብሙሉኦም ካብ ውሽጢ ዓዲ ናብ ወፃኢ ሃገራት ንዝገብርዎም በረራታት ኣገልግሎት ሽይጣት ትኬት ቅድመ ሐዚ ብመሰረት ዝነበረ ኣሰራርሓ ኝርካብ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።

ይኹን እንበር ትኬቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝዕድጉ ወፃእተኛታት ብሸርፊ ወፃኢ ክኸፍሉ ከምዘለዎም ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.