Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሳልሳይ ዙር ናብ ሃገሮም ንዝኣትዉ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ዝግበር ኣቀባብላ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሳልሳይ ዙር ናብ ሃገሮም ንዝኣትዉ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ዝግበር ኣቀባብላ ተጀሚሩ።

“Leave your Legacy, savor your holiday” ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ እቲ ሳልሳይ ምዕራፍ፥ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ብምጥቃም ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝተጀመረ ኣገልግሎት ወለንታዊያን ኣሰሮም ከንብሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ዝተፀገሞ ወገናት ዝሕግዙሉ፣ ዝወነንዎ ትምህርቲን ልምዲን ንወገናቶም ዘመሓላልፍሉን ኣብ ዝተፈላለዩ መስሕባት ቱሪስት ብምህዋፅን ብምህዳስን እወንታዊ መዘከርታ ሒዞም ዝምለስሉ መዛዘሚ ምዕራፍ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ምዕራፍ ክሳብ ወርሒ መስከረም 2017 ዓ.ም ከምዝፀንሕ ኣብ ሚኒስቴር ቱሪዝም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.