Fana: At a Speed of Life!

ሊዊስ ናኒን ኑዋንኩ ካኑን ንምዕባለ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ደገፍ ንምግባር ዘለዎም ምድላው ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ፖርቹጋላዊ ነበር ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ሊዊስ ናኒን ናይጀሪያዊ ነበር ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ኑዋንኩ ካኑን መናእሰይ ተፃወትትቲ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዕዉታት ንክኾኑ ኣድላዪ ደገፍ ከንገብር ኢና ኢሎም።

ሎሚ ንጎሆ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ እቶም ነባራት ተፃወትትቲ ኩዕሶ እግሪ፥ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅእሉ ምኽኒያት ኣብ መበል 80 ዓመት ምስረታ በዓል ጋንታ ስፖርት መቻል ንምስታፍ ብመሰረት ዝቐረበሎም እንግዶት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሊዊስ ናኒ፥ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፅኡ ሕጉስ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ባህልን ህዝብን ኢትዮጵያ ናይ ምፍላጥ ባህጊ ከምዘለዎ እውን ተዛሪቡ።

ኣብቲ በዓል ንክርከብ እንግዶት እንትቐርበሉ ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ብምግላፅ፥ እቲ ኣጋጣሚ ኢትዮጵያ ንምርኣይን ዑደት ንምግባርን ዕድል ከምዝፈጠረሉ ገሊፁ።

ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ኣፍሪካ ስፖርተኛታት ኩዕሶ እግሪ ንምፍራይ ኣብ ኣካዳሚ መናእሰይ ምስራሕ ይግባእ ኢሉ።

ናይጄሪያዊ ኑዋንኩ ካኑ ብግድኡ፥ ፕሮፌሽናል ተፃዋቲ ንምዃን ሕልሚ ዘለዎም ኢትዮጵያዊያን መናእሰይን ሰገናትን ደገፍ ክግበረሎም ይግባእ ኢሉ።

ብምዃኑ ንምዕባለ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ደገፍ ንምግባር ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር ገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.