Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብልዕል 79 ቢሊየን ብር ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት ንምረቓ ተዳሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብልዕል 79 ቢሊየን ብር ዝተሃነፁ 20 ሺሕን 664 ፕሮጀክትታት ንምረቓ ተዳሊዮም።

እቶም ፕሮጀክትታት፥ ብብርኪ ክልል፣ ዞባን ወረዳን ኣብ ክልተ ዙር ከምዝምረቑን ብቐንዱ ሕቶ ልምዓት ህዝቢ ምላሽ ዝሃቡ ከምዝኾኑን ተገሊፁ።

መንግስቲ ተረባሕነት ሕብረተሰብ ዘረጋግፁ ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታት ናይ ምስፋሕን ተበፃሕቲ ናይ ምግባርን ስራሕቲ ኣብ ዝሓለፈ ባጀት ዓመት ሰፊሕ ጠመተ ብምግባር ክሰርሕ ከምዝፀንሐ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.