Fana: At a Speed of Life!

ኣብያተ ምኽሪ ማዕረ ተረባሕነት ዜጋታት ናይ ምርግጋፅ ግቡእ ከምዘለወን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብያተ ምኽሪ ማዕረ ተረባሕነት ዜጋታት ናይ ምርግጋፅ፣ ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰል ከምዝተኸበሩ ናይ ምቁፅፃር ሕገመንግስታዊ  ግቡእ ከምዘለወን ተገሊፁ።

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ በቢዓመቱ ዝሳለጥ ኮንፈረንስ መፅናዕቲን ምርምርን ፓርላማ “ፓርላማ ኢትዮጵያ ንረብሓ ህዝብን ምርግጋፅ ልዕልነት ሕጊን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንመበል ራብዓይ እዋን ይካየድ ኣሎ።

ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ታገሰ ጫፎ፥ ኣብያተ ምኽሪ ውክልና ህዝቢን ሉእላውነትን ዝረጋገፀለን ትካላት ዴሚክራሲ ኢየን ኢሎም።

መሰል ዜጋታትን ማዕረ ተረባሕነትን ናይ ምርግጋፅ፣ ሰብኣዊን ዴሜክራሲያዊን መሰል ምኽባሮም ናይ ምርግጋፅ ሕገ መንግስታዊ ግቡእ ከምዘለወን ኣገንዚቦም።

እቲ ኮንፈረንስ ኣብያተ ምኽሪ ስራሕተን ብመፅናዕቲን ምርምርን ዝተደገፈን ሳይንሳዊ መገዲ ዝሰጉምን መፍቲሒታት ንምቕራብ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.