Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሓፈሻዊ መረፃ ብሪታኒያ ሌበር ፓርቲ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ብሪታኒያ ኣብ ዝተኻደ ሓፈሻዊ መረፃ ሌበር ፓርቲ ከምዝተዓወተ ተገሊፁ፡፡

ሌበር ፓርቲ ክሳብ ሕዚ ካብ 650 ወምበራት ብሪታኒያ 411 ወናብር ዝኾኑ ብምርካብ ኢዩ ኣብቲ ሓፈሻዊ መረፃ ክዕወት ክኢሉ ዘሎ፡፡

ብመሰረት እቲ ውፅት÷ መራሒ ሌበር ፓርቲ ኬር ስታርመር ንመራሒ ኮንሰርቫቲቭ ፓርቲ ሪሺ ሱናክ ብምትካእ ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪታኒያ ከኾኑ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

ን14 ዓመታት ዝኣክል ብሪታኒያ እናመሓደረ ዝነበረ ኮንሰርቫቲቭ ፓርቲ ክሳብ ሕዚ 119 ወምበር ከምዝረኸበ ዝተረጋገፀ እንትኸውን÷ ኣብቲ መረፃ ዝኸፍአ ስዕረት ገጢሙዎ ኢዩ ተባሂሉ ዘሎ፡፡

ተሰናባቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሪሺ ሱናክ እቲ መረፃ ሌበር ፓርቲ ከምዝተዓወተ ዝኣመኑ እንትኾኑ÷ ውድቦም ንዘጋጠሞ ስዕረት “ሙሉእ ሓላፍነት ይወስድ” ኢሎም፡፡

መራሒ ሌበር ፓርቲ ኬር ስታርመር ብግደኦም፤ ንደገፍቶም “አዕዊትናዮ” ክብሉ ዓወቶም ምግላፆም ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.