Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያን ኢራንን ክልተኣዊ ርክበን ንምጥንኻር ቃል ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያን ኢራንን ኣብ ዝተፈላለዩ ሓበራዊ ጉዳያት ክልተኣዊ ርክበን ንምጥንኻር ቃል ኣቲየን።

ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ካዛኪስታን ኣብ ዝተኻደ ትካል ምትሕብባር ሻንጋይ (ኤስሲኦ) ምስ መራሕቲ ኢራንን ኳታርን ክልተኣዊ ዘተ ኣካይዶም።

እቲ ትካል ጥምረት ምዕራባውያን ንምምካት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2001 ብሩሲያን ቻይናን ዝተጣየሸ ኢዩ።

ምስ ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት ኢራን መሃመድ ሞክበር ዝተመያየጡ ፑቲን፥ ርክብ ንግዲ ሩሲያን ኢራንን ኣዚዩ ከምዝተመሓየሸ ተዛሪቦም፡፡

ፕሬዚዳንት ፑቲን ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዕቤት ቱሪዝም ዕዙዝ ከምዝኾነ ብትኹት ከምዝመልከቱ ተሓቢሩ፡፡

ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት ኢራን መሃመድ ሞክበር እውን÷ መልእኽቲ ቀዳማይ መራሒ ኢራን ኣያቶላ ኣሊ ካሜኒ ከምዘመሓላለፉ ተገሊፁ፡፡

እቲ መልእኽቲ፥ ውፅኢት 2ይ ዙር መረፃ ኢራን ዝኾነ ይኹን ምስ ሩሲያ ዘሎ ጥንኩር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዝሕብር ኢዩ።

ፕሬዚዳንት ፑቲን ጎድናጎድኒ እቲ ኣኼባ ኤሚር ኳታር ታሚም ቢን ሃማድ ኣል ታኒ ብምዝታይ÷ ሃገሮም ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ምስ ቅልውላው ሩሲያን ዩክሬንን ተተሓሒዙ ንእትገብሮ ፃዕሪ ከምዘመስገኑ ኣፍሪካ ኒውስ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.