Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ “ስማርት ካምፓስ ሶሉሽን” ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮ ቴሌኮም ንዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ “ስማርት ካምፓስ ሶሉሽን” ንምቕራብ ሓፈሻዊ ስፔሻላይድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ  ድማ ኣገልግሎት ክፍሊታት ብቴሌብር ንምፍፃም ዘኽአለ ሰነድ ስምምዕነት ተኸቲሙ።

እቲ ቴክኖሎጂ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃርን ስራሕቲ ምምሕዳርን እቲ ዩኒቨርሲቲ ዲጂታላይዝድ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ።

እዚ ድማ ድሕንነት ዝተፈላለያ ካምፓሳት ምንምቁፅፃር ሲሲቲቪ ካሜራ፣ መሰረተ ልምዓታት ኔትዎርክ ምዝርጋሕን ካልኦት ኣሰራርሓታትን ምትግባር ዘኽእለ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ፥ እቲ ፕሮጀክት ሙሉእ ንሙሉእ ተግባራዊ እንትግበር እቲ ዩንቨርስቲ  ብቑዕን ተወዳዳሪን ምግባር ከምዝከኣል ተዛሪበን።

ብቅድስት ኣባተ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.