Fana: At a Speed of Life!

ማእኸል መሰልጠኒ እዚ ደቡብ ዘሰልጠኖም ሰብ ሞያ ተዋጋእቲ መሃንዲስ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል መሰልጠኒ እዚ ደቡብ ዘሰልጠኖም ሰብ ሞያ ተዋጋእቲ መሃንዲስ ኣመሪቑ።

ዋና ኣዛዚ  እዚ ደቡብ ሌተናል ጄኔራል ሰለሞን ኢተፋ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሓዊ ጥፍኣት ብምልኳስ ንምንጋዕ ሰላም ዝንቀሳቐሱ ግብረ ራዕዲታትን ፅንፈኛ ጉጅለን ብምድምሳስ እኩይ ዕላመኦም ትርጉም ናብ ዘይብሉ ብርኪ ምውራዱ ተዛሪቦም።

ተመረቕቲ ሰብ ሞያ ተዋጋእቲ መሃንዲስ ኣብ ስልጠና ዝረኸብዎ ክእለት ኣብ ዘየቋረፅ ፃዕሪ ብምጉልባት ናይ ባዕሎምን ካልኦተን ኣባላት ዓቕሚ ብምጥንኻር ብፅሒቶም መውፃእ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም።

ልኡኽ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ኣብ ሰራዊት ክነግሱ ዝግበኦም ክብሪታት፣ ብቕዓት ኣካል፣ ንዕውቱነት መሃንዲስ ዝሕግዙ ስልጠናታት ከምዝወሰዱ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት መክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.