Fana: At a Speed of Life!

ፍልፍሉ ዘይተፈለጠ ንብረት ምውራስ መሰረት ዝገበረ ረቂቕ ኣዋጅ ምስ ሕገ መንግስታዊ መሰላት ውልቀሰባት ዝጠዓዓም ኮይኑ ዝተሰናደአ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዘይሕጋዊ መገዲ ዘፈረየ ሃፍቲን ወይ እውን ፍልፍሉ ዘይተፈለጠ ንብረት ምውራስ መሰረት ዝገበረ ረቂቕ ኣዋጅ ምምላስ ንብረት ምስ ሕገ መንግስታዊ መሰላት ውልቀሰባት ዝጠዓዓም ኮይኑ ዝተሰናደአ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ኣድሂቦም ሓሳቦም ዘካፈሉና ሙሁር ሕጊ ኣይተ ማሩ አብዲ÷ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እናተርኣየ ዝርከብ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ተግባራዊ ምዃን እንትጅምር ኣብ ኢትዮጵያ ገበን ዘኽስብ ምዃኑ ጠጠው ንኽብል ዓብዪ ግደ ዝፃወት ኢዩ ኢሎም።

ብገበን ዝተረኸበ ሃፋቲ ካብ ምምላስ ሓሊፉ ብሕጋዊ መገዲ ንዝተረኸበ ዝኾነ ይኹን ሃፍቲን ንብረትን ዋሕስ ዝህብ ረቂቒ ኣዋጅ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።

እቲ ረቂቒ ኣዋጅ ሓዱሽ ዘይኮነን ቅድም ክብል ኣብ ውሽጢ ሃገርን ካልኦት ሃገራት ዓለምን ተግባራዊ እናተገበረ ዝርከብ ኢዩ ዝበሉ ማሩ ኣብዲ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ብገበን ዝተረኸበ ሃፍቲ ንምምላስ እናተወገኑ ዝርከኑ ማዕቐፋት ሕጊ ስራሕቲ ምድላውን ጥንኩር ህንፀት ኣካላት ኣፈፀምቲን ዘርኢ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብመራኦል ከድር

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.