Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መበል 80 ዓመት ምስረታ በዓል መቻል ፕሮፌሽናል ስፖርተኛታት ፖርቹጋል ንኽርከቡ ይሰርሕ ኣለኹ – ኤምባሲ ፖርቹጋል

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 80 ዓመት ምስረታ በዓል መቻል ፕሮፌሽናል ስፖርተኛታት ፖርቹጋል ንኽርከቡ እናሰርሐ ምዃኑ ኤምባሲ እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣምባሳደር ፖርቹጋል ኣብ ኢትዮጵያ ሊውስ ፍራጎሶን ሚኒስትር ዴኤታ ባህሊን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት ንጋንታ ስፖርት መቻል ዑደት ኣሳሊጦም፡፡

ኣብ ዑደቶም ድማ “እታ ጋንታ ብኣትሌቲክስ ስማ ክብ ዝበለ ከምዝኾነ ይፈልጥ ኢየ፤ ይኹን እምበር ካልኦት ዓይታት ስፖርት ከምዘለዉዎ ሎሚ ብምርኣየይ ደስ ኢሉኒ” ክብላ ኣምባሳደር ሊውስ ፍራጎሶ ገሊፀን፡፡

ስፖርት ብስክሌት ኣብ ፖርቹጋል ብስፍሓት ከምዝዝውተር ብምግላፅ÷ መቻል እውን ኣብቲ ዓውዲ ዝዋፈር እንተኾይኑ ኣድላዪ ሓገዝ ንምግባር ቆራፅ ከምዝኾና ተዛሪበን፡፡

ርክብ ኢትዮጵያን ፖርቹጋልን ኣብ ስፖርት፣ ቱሪዝምን ስነ-ጥበብ ብዝበለፀ ንኽጠናኸር ክንሰርሕ ኢና ምባለን ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት መክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

“ኣብ መበል 80 ዓመት በዓል ምስረታ ጋንታ ስፖርት መቻል እውን ፕሮፌሽናል ስፖርተኛታት ፖርቹጋል ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ነቲ ኣከባብራ ንኸድምቑን ንኽዕደሙን ንሰርሕ ኣለና” ክብላ ገሊፀን፡፡

23 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ ውድድር ጉያ ጎደና ከምዝሳተፋ እውን ኣብሪሀን፡፡

ኣምባሳደር መስፍን ብግደኦም÷ “ዓብዪን መፈልፈሊ ብዙሓት ጀጋኑን ዝኾነ ጋንታ ስፖርት መቻል ንመበል 80 ዓመት ምስረታ በዓል ኣድላዪ ሓገዝ ክንገብር ኢና” ኢሎም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.