Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 7 ነጥቢ 8 ሚሊየን ተምሃሮ ተቀምቲ ኣገልግሎት ምገባ ቤት ትምህርቲ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ 7 ነጥቢ 88 ሚሊየን ተምሃሮ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ምገባ ቤ ትምህርቲ ምግባር ከምዝተኽኣለ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኣገልግሎት ኣብ 10 ኣዋርሕ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝተመዝገቡ ዓወታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ÷ ብመርሃ ግብሪ ምገባ ቤት ትምህርቲ 9 ሚሊየን ተምሃሮ ተበፃሒ ንምግባር ተሓሲቡ 7 ነጥቢ 88 ሚሊየን ተምሃሮ ምብፃሕ ከምዝተኽኣለ ገሊፁ፡፡

ብካሊእ መዳይ 22 ነጥቢ 7 ሚሊየን ናይ ካልኣይ ብርኪ መፃሕፍቲ ከምዝተሓተሙ ተገሊፁ፡፡

ትምህርቲ ንወለዶ ኣብ ዝተሰምየ ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ምልዕዓል ምምሕያሽ ኣቢያተ ትምህርቲ ድማ ህንፀት 5 ሺሕን 873 ሓደሽቲ ኣቢያተ ትምህርቲን ፅገና 14 ሺሕን 791 ኣቢያተ ትምህርቲ ከምዝተወገነን ተሓቢሩ፡፡

ከይዲ ኣተገባብራ መልቀቒ ፈተና ብዝምልከት እውን ፈተና ካብ ዝወሰዱ 97 ሺሕን 673 ተምሃሮ እቶም 27 ሺሕን 35 ወይ እውን 27 ነጥቢ 67 ሚኢታዊ ዝኾኑ ተምሃሮ ከምዝሓለፉ ተመልኪቱ።

ኣብ 2016 ዓ.ም ፈተና 12 ክፍሊ ብወረቐትን ብኦንላይንን ምሃብ ዝከኣለሉ ዓቕሚ ከምዝተጠረ እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.