Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ዘሳለጦ መበል 36 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ዓለም ለኸ ኣቪዬሽን ኮንቬንሽንን ንምምሕያሽ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብምዝታይ፥ እቲ ኮንቬንሽን ምምሕያሹ ንኢትዮጵያ ዝህልዎ ረብሓን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ዝህልዋ ናይ ውክልና ተሰማዕነት ዕድል ምስፋሕን ብምርኣይ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ሳልሳይ ወገን ሓደጋ ተሽከርከርቲ ፓሊሲ መድን ተመን “ፕሪምየም”ን መጠን ካሕሳን ንምውሳን ዝወፅአ ረቂቕ ደንቢ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ዘተ ድማ፥ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብብርኪ ሃገር መዕሩይ ኣሰራርሓ ንክህሊ፣ ተፈፃምነት እቲ ደንቢ ንምጥንኻርን ወዘተን ዘለዎ ኣድላይነት ብዕምቆት ድሕሪ ብምዝታይ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ፌዴራል ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሩ ተግባራዊ ንክኸውን ብሙሉእ ድምፂ ተወሲኑ።

ብተመሳሳሊ ትራፊክ ትራንስፖርት መገዲ ንምቁፅፃር ዝወፅአ ረቂቕ ደንቢ ኣብ ዜጋታት ዝበፅሕ ሞት፣ ጉድኣት ኣካልን ዐንወት ንብረትን ንምክልኻል ዘልዎ ረብሓ ብምግንዛብ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ፌዴራል ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሩ ተግባራዊ ንክኸውን ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ ቀዳማይን ማእኸለዎትን ብርኪ ትምህርቲ ንኹሉ ዜጋን ኣብ ኩሉ ከባቢን ብፍትሓዊነት ንምብፃሕ ኣድላዪ ዝኾነ ኩነታት ዝፈጥርን፥ ፅርየት፣ ተበፃሕነትን ፍትሓዊነትን ትምህርቲ ንምርግጋፅ ዘኽእል ሕጊ ምውፃእን ዘድሊ ሓፈሻዊ ኣዋጅ ትምህርቲ ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ረቂቕ ኣዋጅ ዘቲዩ።

ስለዝኾነ ኣብቲ ኣዋጅ እኹል ዘተ ደሕቲ ምክያት ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ኣብ መወዳእታ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ፥ ብቕዓት ትምህርቲ ኢትዮጵያ መረጋገፂ ማዕቐፍ ንምውሳን ዝጠመተ እንትኸውን ኣብቲ ደንቢ እኹል ዘተ ድሕሪ ምክያድ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ፌዴራል ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሩ ተግባራዊ ንክኸውን ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.