Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 70 ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ዝተሳተፉሉ መድረኽ ጎስጓስ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 70 ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ዝተሳተፉሉ መድረኽ ጎስጓስ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ዝካየድ ዘሎ መድረኽ፥ “መሬትና ንሰብ ሃፍቲታትን” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ብኮርፖሪሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ዝተዳለወ መድረኽ እንትኸውን፥ ንክልተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ መድረኽ ጎስጓስ ኢዩ ተባሂሉ።

ብፈልፈሊ ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣቢሉ ዓቕሚ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ንምዕባይን ሓደሽቲ ኢንቨስትመንታት ብስታርትአፕ  ንክጅምሩን ብመሰረት ዝተውሃበ ኣንፈት ዝተዳለወ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ እቲ መድረኽ ንሃገር ቦቆል ኩባኒያታት ምቹእ ኩነታት ክፈጥር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ኣብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.