Fana: At a Speed of Life!

ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር፥ ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዓለም በሪኻ ንክትረአ ገይሩ-ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር፥ እታ ሃገር ኣብ መድረኽ ዓለም በሪኻ ንክትረአ ገይሩ ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ገሊፁ።

“ልዑል ተሳትፎ ዩንቨርስታት ኣብ ጉዳያት ክሌማዊ ለውጢ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዓውደ መፅናዕቲ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ፕሬዚዳንታት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲን መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።

ሚኒስትር ዴኤታ ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን፥ ንኢትዮጵያ ዝፍትን ዘሎ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ለዕሊ 30 ቢሊየን ፈልሲ ናይ ምትካል፣ ምፅዳቕን ጉድኣት ዘጋጠሞም ከባቢታት ናይ ምሕዋየን ስራሕ ክስራሕ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሮም።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ ትልሚልምዓት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ከም ዓንዲ ብምጥቃም ናብ ተግባር ካብ እትኣቲ ዓመታት ከምዘቑፀረት ተዛሪቦም።

እዚ ስርዓት ኣብ ምንቅስቃስ ልምዓት ዝተፈላለዩ ትካላት እቲ ዓውዲ ንምስራፅ ዘኽእሉ ስትራቴጂታት ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ሓቢሮም።

ብመሳፍንት እያዩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.